7 ሓምለ በዓል ቅድስት ስላሴ ኣጋዕዝተ ዓለም፠፠፠

ብቀሺ ኣባዲ ዳይኖም

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ዓመት መጸ ይኹን ወርሒ መጸ ከምኡውን ሰሙናዊ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤተክርስቲያን ዝበዓሉ ናይ አግዚኣብሔር ይኹን ናይ ቅዱሳን በዓላት ኣለዉ። በዓል ምኽባር ኸኣ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተሰርዐን ዝተኣዘዘን ምዃኑቅዱስ መጽሓፍ ኣስፊሑ ዘረድኣና እዩ። ካብቶም ቤተክርስቲያን ዘለዋ ክቡራት በዓላት፡ እቶ ምክልተ ኸኣ ዓለም ፈጢሩ ንዝገዝእ ንቅድስትስላሴ ዝተወፈዩ ዓበይቲ በዓላት እዮም። ክልቲኦም በዓላት ኣጋዕዝተ ዓለም ስላሴ፡ኣብቲ ዘመነ ኵነኔ ተኣምራት ንዝፈጸምዎ ዘዘኻኽሩ ኸኣ እዮም። ምኽንያት በዓል ኸኣ እቲ ቀዳማይ 7ጥሪ ንጥቅመሰ ናዖር ‘ንዑንረድ” ኢሎም ዘፍረሱሉ ክኸውን ከሎ፡እቲ ካልኣይ ኸኣ ኣብ ዳስ እቲ ፈታዊኦም ጻድቕ ኣብርሃም ዝተኣንገዱሉን ኣብ ዘመን እርጋንኡ ውላድ ከምዝረክብ ብስራት ዝነገሩሉን 7ሓምለ እዩ።  ብኵሉ ንዕለታት ፈሊና ብስም ቅዱሳን እነኽብሮም በዓላት ዘይሮም ዘይሮም ግብሪ ስላሴዝ ገልጹን፤ ስላሴ ኣብ ቅዱሳን ሓዲሮም ንዝፈጸምዎ ዕጹብ ነገርን ዝኣተዉዎ ቃልኪዳንን ዘዘኻኽሩ ስለዝኾነ፡ስላሴ ዝዝከሩሉ በዓላት እዚኣቶም ክልተ ጥራይ እዮም ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር ቅድስት ቤተክርስቲያን ድማ ብቀጥታ ካብ ኵለን መዓልትታት፡ንስላሴ ዝተወፈዩ መዓልትታት ፈልያ እተን ኣብላዕሊ ዝተጠቕሳ ዕለታት ብዝግባእ ክዝከራን ብዝደመቐ ክኸበራን ክንመሃረለን  ሰሪዓትልና ትርከብ። ነቲ ዕለት ብዝሰማማዕ ንባባትን መዛሙርን ተኽብሮን ተሰንዮን ኸኣ እያ።  ንቅዱሳን ስለቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋ ናይ ጸጋ ኣኽብሮት ስግደት እኳ እንተቕረብናሎም፤ እቲ ፍጹም ናይ ባህርይ ኣምልኾን ምስጋናን ዝግብኦም ኣጋዕዝተ ዓለም ስላሴ ጥራይ ምዃኖም ዝስሕቶ ሰብ የልቦን። ቅዱሳን ሓንሳብ እግዚአብሔር ባዕሉ ስለ ዘኽበሮምን፤ ጸግኡ ኣብዚሑ ተኣምራት ክፍጽሙ ኃይልን ኪዳንን ስለ ዝሃቦም ከምቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ናይ ጸጋ ንሕና ከነኽብሮም ቅዱስ ቃሉ ይነግረና። ብናቶም ጸሎትን ኣማላድነትን ኸኣ በረኸቶምን ተራዳእነቶም ክንረክብ ድማ እግዚአብሔር ፈቓዱ እዩ። ነዛ ዓለም ፈጢሮም ዝገዝእዋ ስላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሰለስተ ክኾኑ ከለዉ ብባህርይ ብስልጣን ብመለኮት ብህልውና ብኣገዛዝኣን ካልእን ነዚ ብዘይካ ንውሱናት ኅሩያት ኣምላኽ ግሁድ ምስጢር ኣይነበረን። ስላሴ ብዝፈልጥዎ ኸኣ ናቱ ምኽንያት ኣለዎ። ሓደ ካብቶም ነዚ ምስጢር ክርእይ ዝበቐዐ ድማ ናይ እምነት ኣቦና ኣብርሃም እዩ።

ሃዋርያዊት፡ ኣጽናፋዊት፡ ቅድስት፡ ቅንዕቲ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖትና ስርዓታን እምነታን መምርሒኣን ካብቲ ንፍጥረት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽአ፡ ዘለኣለማዊ፡ ኤልሻዳይ፡ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ድሕሪ ዓለም ሕልፈት እውን እንተኾነ ህሉው ዝኾነ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዝተዋህባ ኢዩ። በዚ ከኣ ንዘመናት ኣሚናን እንዳ ኣእመነት ትነብር።
እቶም መሰረታውያን ወይ ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሎም ዝጽውዑ “ሓሙሽተ ኣእማደ” ምስጢራት ኢዮም። እዚኣቶም ከኣ ምስጢረ ሥላሴ፡ ምስጢረ ስጋዌ፡ ምስጢረ ጥምቀት፡ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን፡ ምስጢረ ትንሳኤ ምዉታን ክኾኑ ከለዉ፡ ንሓንቲ ቤት ዘጽንዑ ኣዕኑድ ከም ምዃኖም ንምእመናን ድማ ብእምነት ዓብዮም ተኾስኪሶም ናብ መንግሰተ ኣምላኽ ዘእትዉ ምስ ዝፈጠሮም ኣምላኽ ብፍቕርን ብሓድነትን ዘንብሩ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር ተባሂሉም ዝጽውዑ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጢራት ኢዮም።

እዞም ምስጢራት እዚኣቶም ስሞም ከም ዝሕብሮ “ምስጢር” ብዝብል መጸውዒ ዝጽውዑ ኢዮም። እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ንሱ ብዝፈቐዶ መጠን እንተ ዘይኮይኑ ሰብ ስብጋዊ ኣእምርኡ ተመራሚሩ ስለ ናይ እግዚኣብሔር ነገር ክፈልጥ ስለ ዘይክእል ኢዩ። እግዚኣብሔር ስለ ገዛእ ርእሱ ኮነ ስለ ቅዱሳኑ ብመጠኑ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣፍሊጡናን ገሊጹልናን ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ዝሓለፈ ቅዱሳን ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ቅዱሳኑን፡ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ስርዓትን መምርሕን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ጽሒፎም ገዲፎምልና ኣለው።

ሎሚ እምበኣር ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ቅድስት ሥላሴ ሥእሊ ሕጽር ዝበለ ክንርኢ ኢና።
ርግጽ ኢዩ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ረቂቕ ኢዩ። ዘይጭበጥ መንፈስ ኢዩ። ቅዱሳን መላእኽቲ እውን ረቀቕቲ ኢዮም። እንተ ኾነ ግን ቅዱሳን መላእክቲ ኮነ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ሰዓትን ንቅዱሳን ከም ዝተገልጽሎም መጠን ብእኡ ኣምሳል ከኣ ብስእሊ ክንስእል ንኽእል ኢና።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ትምህርቲ ፍልይ ብዝበለ “ንቅድስት ሥላሴ ከመይ ገይርና ክንስእሎም ንኽእል። እግዚኣብሔር መለኮት ኢዩ፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ መንፈስ ቅዱስን ከምዚ ይመስልን ኢልና ክንስእሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ዓለም ዝተመላለሰ ኣብ ማእከል ሰባት ከኣ ዝነበረ እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ኣግኣዚት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅድስት ሥላሴ ሥእሊ ኢልካ ዝግበር ጌጋ ኢዩ” ዝብሉ ሰባት ኣለው።
ብሓቂ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስርዓታ፡ እምነታ ኮነ ኣብ ኩሉ ኣካይድኣ ካብ ጉልላት ጀሚራ ክሳዕ መሰረታ፡ ካብ ቤተ መቕደስ ጀሚራ ክሳዕ ቀጽራ ጌጋ ኣለዋ ድዩ፧ ብጌጋ ዝኣተወ ስርዓት ኮነ ትምህርትኸ ኣለዋ ድዩ፧ ኢልና ምስ እንሓትት ብፍጹም ዝብል መልሲ ኢና እንረክብ። ከመይ መስራቲኣ ክርስቶስ፡ ርእሳ ባዕሉ እቲ ብደሙ ዝዓደጋ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ። ንምንታይ ድኣ እዞም ሰባት ወይ እውን ኣብ ዘመና ዘለው ሰባት ኣብ ስርዓትን ትምህርትን ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ትምህርቲ ኣትዮም “እዚ ኣይነበረን፡ እዚ እባ ነይሩ፡ እዚ ጌጋ ኢዩ እዚ እባ ቅኑዕ” ዝብሉ እንተ ተባህለ ከምቶም ቀዳሞት ዝሓለፉ ጸረ ቤተ ክርስቲያን ንስርዓታ ብናቶም ስርዓት፡ ንእምነታ ከኣ ብናታቶም እምነትን ሓሳብን ክትክእዎ ስለ ዝደለዩ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ኢልካ ክድምደም ኣይከኣልን ኢዩ።

ኮይኑ ግን ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስለ ናይ ቅድስት ሥላሴ ስእሊ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከመይን እንታይን ምዃኑ ብግቡእ ክፈልጡ ስለ ዝግባእ ብዛዕብኡ ገለ ክንብል ክንግደድ ኢና (ብሓፈሻ ስለ ቅዱሳን ኣሳእል ኣብ ዝብል ኣርእስቲ (ሸውዓተ ምስጢራት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስ ትምህርቲ ዓምደ ሃይማኖት ብቤ/ት/ሰ/ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተልኣቪቭ(እስራኤል) ኣብ ዝብል መጽሓፍ ገጽ 191 ክሳዕ 194 ምንባብ ይከኣል ኢዩ)። ንሕጂ ግን ናብ ኣርእስትና ምልስ ኢልና ካብ ቅዱሳት መጻሕፍት ኣልዒልና ስለ ናይ ቅድስት ሥላሴ ስእሊ ክንጽሕፍ ክንፍትን።

ልዕል ኢልና ኣብ ኣርእስቲ ምስ እንምልከቶ “ሥላሴ ተዐውቁ በቤተ ኣብርሃም (ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ)” ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ናይ ጸሎትን ምስጋናን ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ነቲ ቅዱስ ነቢይ ሙሴ ኣብ ናይ ኦሪት ዘልደት መጽሓፉ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብሓድነትን ሰለስትነት ከም ዝተገልጸሉ ጽሒፍዎ ዘሎ፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ከም ዘለዎ ብምውሳድ ኣብዚ “ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ” ዝብል መጽሓፍ ተቐሚጡ ንረኽቦ። ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤተ ኣብርሃም ከመይ ኢሎም ተፈሊጦም፡ ከመይ ኢሎም ተገሊጾም ንዝብል ናብ ኦሪት ዘፍጥረት ከይዱ ከንብብ ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ጽሒፍዎ ዘሎ ጽሑፍ፡ ኣቦና ኣብርሃም ቀትሪ ኣብ ኣፍ ደጌ ድኳን ኮፍ ኢሉ ከሎ እግዚኣብሔር ተገልጸሉ ኢሉ ድሕሪ ምጅማሩ ኣዒንቱ ቋሕ እንተ ኣበለ ከኣ “ሰለስተ ሰብኣይ ረኣየ” ይብል። ብመሰረቱ እግዚኣብሔር ዝብል ቃል ናይ ግእዝ ኮይኑ “ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ናይ ሓድነት መጸውዒ ስም ኢዩ”። እዚ ካብ ኮነ ኣቦና ኣብርሃም ንእግዚኣብሔር ረኣየ፡ እዚ ማለት ኣቦና ኣብርሃም ንኣብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ረኣየ ንብል። እግዚኣብሔር ብሓድነቱ ከም ዝተገልጸሉ ከብርህ “እግዚኣብሔር ተገልጸሉ” ይብል፡ ብዛዕባ ብሰለስተ ኣካላት ከም ዝተገልጸሉ ከብርህ ከኣ “ኣዒንቱ ቋሕ እንተ ኣበለ ከኣ እንሆ ኣብ ቅድሚኡ ሰለስተ ሰብኣይ ደው ኢሎም ረኣየ”ይብል(ዘፍ፲፰፡፩-፲፭/18፡1-15 ኣንብብ)። በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝንብብ ስንክሳር “ወበዛቲ ዕለት፡ ቦኡ ሥሉስ ቅዱስ ውስተ ቤተ ኣብርሃም ወተሴሰዩ ዘኣቅረበ ሎሙ በከመ ጽሑፍ ውስተ ኦሪት ወኣብሰርዎ ልደቶ ለይስሓቅ ወባረክዎ።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ኪያነኒ ይምሐረነ፡ በጸሎቱ ለኣብርሃም ኣቡነ ወበረከቱ ይሃሉ ምስሌነ ለዓለመ ዓለም ኣሜን!!!” (ስንክሳር ዘወርኅ ሐምለ) “በዚ ዕለት እዚ (፯/7 ሓምለ)፡

ኣብ መጽሓፍ ኦሪት ተጻሒፉ ከም ዘሎ ቅድስት ሥላሴ ናብ ቤት ኣብርሃም ኣተዉ፡ ዝቐረበሎም ከኣ ተመገቡ፡ ናይ ይስሃቅ ልደት ኣበሰርዎ፡ ባረኹ፡ ኣኽበሩ። ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይኹን። ንዓና እውን ብጸሎት ናይ ኣቦና ኣብርሃም ይምሓረና፡ በረከቱ ንዘለኣለም ምሳና ይኹን ኣሜን።” ክብል ይገልጽ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኩሉ ግዜ ዓመት መጸ ብሸውዓተ ሓምለ ዝንበብ ጽሑፍ ኢዩ። በዚ ዕለት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስለ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤተ ኣብርሃም ምእታዎም፡ ስለ ናይ ይስሃቅ ልደትን ኣመልኪታ ንሥሉስ ቅዱስ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብርሃም ይስሃቅን፡ ቅድስት ኣዴና ሳራን ጸሎትን በረኸትን ምስ ኩላትና ክኸውን ትልምን። ኣብ ቅድሚ ቅድስት ሥላሴ ዘይከኣል ነገር ከም ዘየለ፡ ኩሉ ብእግዚኣብሔር ከም ዝፍጸም ከኣ ስለ ናይ ኣቦና ኣብርሃምን ሳራን ንነዊሕ ዓመታት ብመኻንነት ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽንሖም ብምሕረት ቅድስት ሥላሴ ውላድ ከም ዝረኸቡ ተዘንቱ፡ ሰባት ኣብ ቅድስት ሥላሴ ዘሎዎም እምነት ፍጹም ክኸውን ከም ዘለዎ ትምዕድ፡ ትምህር፡ ንዘይኣመኑ ከኣ በዚ ድንቂ ስራሕ ናይ ቅድስት ሥላሴ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ትገብር (ስንክሳር ፯/7 ሓምለ ተመልከት)።
ከምኡ ከኣ ኣብ “መልክዓ ሥላሴ” “ሰላም ለኅሊናክሙ” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ምስ እንምልከት

“ ሰላም ለኅሊናክሙ፡ በከዊነ ኄር፡ ዘተሐምየ። እምከላውዴዎን ኣብርሃም ዘምድረ ካራን ኅረየ። ሥላሴክሙ ሥላሴ፡ ሶበ፡ ይኔጽር፡ ዕሩየ። ሠለስተ ዕደወ፡ ሊሉያነ፡ ውስተ ርእሰ ኅይመት፡ ርእየ። ወለአሐዱ፡ ነገሮ ረሰየ” (መልክዓ ሥላሴ- ሰላም ለኅሊናክሙ) ዝብል ጽሑፍ ንረክብ ኢና። እዚ መጽሓፍ ስሙ ከም ዝሕብረና “መልክዓ ሥላሴ — ብዛዕባ ናይ ቅድስት ሥላሴ መልክዕ” ዝገልጽ ኢዩ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እምበኣር ሕጂ እውን ነዚ ድርሰት እዚ መበገስን ምንጪን እዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ ኣቦና ሙሴ መጽሓፍ “ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤተ ኣብርሃም” ዝብል ኢዩ (ዘፍ፲፰፡፩-፲፭/18፡1-15 )።
ስለዚ ኣብ መልክዕ ኮነ ድርሳናት፡ ስንክሳር ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጻሕፍቲ ስለ ቅድስት ስላሴ ኣብ ቤተ ኣብርሃም ምግላጽ ክዛረቡ ከለው ምንጩ እዚ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ግልጸት ናይ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤተ ኣብርሃም ዝብል ምዃኑ ክንፈልጥ ይግብኣና።

በዚ መንጽር እምበኣር ነቶም ነዚ ናይ ቅድስት ሥላሴ ስእሊ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምጥቃምና ዘይፈለጡ፡ ዘይበርሃሎም ገለ ከኣ ክቐበልዎ ዘይደለዩ እንተ ኣለው እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ “መልክዓ ሥላሴ- ሰላም ለኅእሊናክሙ”፡ ሥላሴ ተዐውቁ በቤተ ኣብርሃም (ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ) ከምኡ ከኣ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንብዙሕ ዓመታት እንጥቀመሉ ዘለና ስንክሳር እኹል መረዳእታ ኢዩ።

ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብመወከሲ ሃብታም ከም ምዃና መጠን ሰብ ዓቕምን ግዜን ሓጺርዎ ድኣ ንኹሉ ከይበጽሖ ክገድፎ ይኽእል እምበር መጻሕፍታስ ብዙሕ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ጥንሰትን ልደትን ናይ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ እንተ ተመልኪትና፡ ስድራቤቶም ንነዊሕ ዓመታት ብዘይውላድ ከም ዝነበሩ እቲ ታሪኽ ይገልጸልና። ከምቲ ኣብ መጽሓፎም ተጻሒፉ ዘሎ ከኣ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣዲኦም ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ማለት ኣቅሌስያ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣተወት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ሥእሊ ናይ ቅድስት ሥላሴ ኮይና ከኣ ውላድ ክህባ ንእግዚኣብሔር ለመነት። ፍቓድካ ዝፍጽም፡ ንዓኻ ዘስምር፡ ንጽህና ከኣ ዘፍቅር ውሉድ ሃበኒ እንደ በለት ለመነት። ካብቲ ስእሊ (ካብ ሥእሊ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን) ከኣ ከምዚ ዝብል ቃል መጸ “ክብሩ ከም ሚካኤልን ገብርኤልን ክህነቱ ከም መልከጼዴቅ፡ ንጽህንኡ ከኣ ከም ዮሓንስ መጥምቅን ከም ነቢይ ኤልያስን ዝኾነ ውላድ ክትወልዲ ኢኺ በላ። ብድሕሪ እዚ ኣቅሌስያ ብ29 መጋቢት ጠነሰት፡ ብ29 ታሕሳስ ከኣ ወለደት። ቅዱስ ገብርኤል ብናይ ሰብ ኣምሳል መጺኡ እዚ ውላድኪ ስሙ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ይኹን በላ። ከምቲ ዝበሎ ከኣ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኢላ ሰመየቶ (ገድለ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ)።
“ ወአሐቲ ዕለት ቦአት ውስተ ቤተ ክርስቲያን ወቆመት ኃበ ሀለወ ስእለ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ወጸለየት ወትቤ እግዚኦ እግዝእየ፡ ሀበኒ ወልደ ዘያሠምረከ ወዘይገብር ፈቃድከ ወዘያፈቅር ንጽሐ።

ወውእቱ ጊዜ ወፅአ ቃል እም ውስተ ሥእል፡ ወይቤላ፡ ንሥኢ ወልደ፡ ዘይትሌዐል፡ ቀርኑ፡ እምኑኃ፡ ሰማይ፡ ወዘይትማሰል፡ ክብሩ ምስለ ሚካኤል፡ ወገብርኤል፡ ወክህነቱ ከመ መልከጼድቅ፡ ወንጽሑ ከመ ዮሐንስ መጥምቅ፡ ወኤልያስ ነቢይ (ምዕ፩፡፬-፭/1፡4-5)። ወእምዝ፡ ጸንሰት፡ ኣቅሌስያ፡ አመ ፳ወ፱ ለወርኃ መጋቢት፡ ወኮነ ልደቱ አመ ፳ወ፱ ለወርኃ ታኅሣሥ፡ ወመጽአ ገብርኤል መልአክ፡ ተመሲሎ፡ ከመ፡ ሰብእ፡ ወይቤላ፡ ለአቅሌስያ፡ ይኩን ስሙ፡ ለዝንቱ ወልድኪ፡ ገብረመንፈስ ቅዱስ። ወእምአሜሃ፡ ተጸውዐ፡ ገብረመንፈስ ቅዱስ፡ ዘከመ፡ ሰመዮ (ምዕ፪፡፩/2፡1)። ስለዚ እምበኣር ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽናዮ ናይ ቅድስት ሥላሴ ስእሊ ኣብ ሕጂ ዘለናዮ ዓመት ዝመጸ ወይ ከኣ ሰባት ብናቶም ውልቂ ድልየት ተለዓዒሎም ዘምጽእዎ ዘይኮነ ዘመናት ዘቕጸረ፡ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ንቅዱሳን ከም ዝተገልጸሎም መጠን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ከም ዝጸንሐን ዘሎን ልቢ ኢልና ክነስተብህል ይግብኣና ኢዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ ተመልኪትና እግዚኣብሔር ንዝተፈላለዩ ቅዱሳን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን በቲ ንሱ ዝፈቐዶ መንገዲ ከም ዝተገልጸሎም ንምልከት ኢና። ገለ ካብቲ ብዙሕ ንምጥቓስ፡-
 ርእሰ ኣበው ዝኾነ ኣብርሃም
 “እግዚኣብሔር ተራእዮ ኣብቲ ዝተራእዮ ቦታ ከኣ መሰውዒ ሰርሐ” (ዘፍ፲፪፡፯/12፡7)።
 “እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ተገልጸሉ ኣዒንቱ ቋሕ እንተ በለ ከኣ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ” (ዘፍ፲፰፡፩-፪/181-2)
 ኣቦና ያዕቆብ፦
 “ያዕቆብ ከኣ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ ኢየ እሞ ነፍሰይ ድሒና ኢያ በለ” (ዘፍ፴፪፡፴/32፡30)

 ሊቀ ነቢያት ዝተሰምየ ሙሴ፦
 “ምስኡ ምስ ሙሴ ባርያይ ኣፍ ንኣፍ ኢየ ዝዛረብ ብሕቡእ ዘይኮነ ብግልጺ ኢየ ዝዛረብ ንሱ ምስለይ ዝርኢ ኢዩ” እዚ ዝበለ ማርያምን ካህን ኣሮንን ብዛዕባ ነቢይ ሙሴ ኣብ ዘግረምርምሉ ግዜ ኢዩ (ዘሁ፲፪፡፰/12፡8)።
 ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ
 “በታ ዖዝያን ዝሞተላ ዓመት ኣነ ንእግዚኣብሔር ኣብ በሪኽን ኣብ ልዕል ዝበለ ዝፋን ተቐሚጡ ከሎ ረኣኽዎ ዘፈራት ልብሱ ከኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ”(ኢሳ፮፡፩/6፡1)
 ፈታሔ ሕልሚ ቅዱስ ነቢይ ዳኒኤል
 “ክጥምት ከለኹ ድማ ዝፋናት ኣብ ሓደ ስፍራ ተሰሪዓ እቲ ካብ ዘለኣለም ዝነብር ከኣ ኣብ ሓንቲአን ተቐመጠ፡ ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ ጸጉሪ ርእሱ ከኣ ከም ጸምሪ ጻዕዳ ነበረ” (ዳኒኤል፯፡፱/7፡9)

 ብቅድስንኡ ዝተፈልጠ ነቢይ ሄኖክ
 “እቲ ርእሲ ዘመናት ርእሱ ከም ጻዕዳ ክዳኑ ንጹህ ዘይምርመር ከኣ ምስኣቶም ወጸ” (ሄኖክ፳፡፴፱/20፡39)
በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ፡ እግዚኣብሔር ንቅዱሳኑ ነቢያት ከም ዝተገልጸሎም መጠን ገይራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ኣቐመጠትን እንተ ሰበኸትን ዘመጉሳ ድኣ እምበር ፈጺሙ ዘኽሰሳ ኣይኮነን። እዚ ስለ ዝኾነ ኢያ ከኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን “ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤተ ኣብርሃም” ኢላ ናይ ቅድስት ሥላሴ ስእሊ ንስርዓተ ኣምልኾ ክትጥቀም ትነብር ዘላ።
ናይ ቅድስት ሥላሴ ምሕረት፡ ናይ እመ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸጋን በረኸትን፡ ናይ ቅዱሳን ጸሎት ኣማላድነትን ኣይፈለየና ኣሜን።
********************************
 “ኣብርሃም ካብ ይስሓቅ ከም ዝዓቢ ይስሓቅ እውን ካብ ያዕቆብ ከም ዝዓቢ ንመለኮት ከምኡ ኣይኮነን። ኣቦ ካብ ወዱ ኣይዓብን፡ ወልድ እውን ካብ መንፈስ ቅዱስ ኣይንእስን፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብ ወልድ ኣይንእስን፡ ወልድ ድማ ካብ ኣብኡ ኣይንእስን ኢዩ።
መለኮትሲ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣምላኽ፡ ሓንቲ መንግስቲ፡ ሓንቲ ስልጣን፡ ሓንቲ ግዝኣት ኢዩ (ዮሓ17፡10-11)።
 ብባህርይ ፍሉይን ባዕድን ከይከውን ሓድነት ካብ ሰለስትነት ከይፈለና ከምዚ ንኣምን። ከምዚ እውን ንእመን። ብኣካል ዝተሓዋወሰ ከይከውን ከኣ ሰለስትነትን ሓድነትን ንፍለ።
ከም ኣብርሃምን ይስሃቅን ያዕቆብን ሰለስተ ማለትና ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ሰለስተ ገጽ ክንሱ ሓደ ኢዩ።
 ከምቲ መጀመርታ ፍጥረት ኣዳም ሓደ ኢዩ እውን ኣይንብልን እንታይ ድኣ ሓደ ህላዌ ክንሱስ ሰለስተ ኢዩ።
 እንሆ እኩያት ኣይሁድን ግጉያት እስማኤላውያንን ዘየስተውዕሉ ዕዉራት ልቢ ስለ ዝኾኑ እግዚኣብሔር ሓደ ገጽ ሓደ ኣካል ኢዩ ክብሉ ንሰምዖም ኣለና።
 እንሆ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ኣጋንንትን ንዘምልኹ ኣረማውያን ንርእዮም ኣለና። ንሕና ግና ቅኑዕ መንገዲ ንዝምህሩ ንስዕብ ከምቲ ሓዋርያት ከምዚ እንዳ በሉ ዝመሃሩና፡ ኣብ ጸሓይ ኢዩ፡ ወልድ ጸሓይ ኢዩ፡ መንፈስ ቅዱስ እውን ጸሓይ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ሓደ ናይ ሓቂ ጸሓይ ኢዩ።
 ኣብ እሳት ኢዩ፡ ወልድ እሳት ኢዩ፡ መንፈስ ቅዱስ እሳት ኢዩ ኣብ ኣርያም ዝነብር ሓደ ናይ ሕይወት እሳት ኢዩ።
 ኣብ ብርሃን ወጋሕታ ኢዩ፡ ወልድ ብርሃን ወጋሕታ ኢዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብርሃን ወጋሕታ ኢዩ። ብባና ብርሃኑ ጸልማት ዘርሕቕ፡ ሓደ ብርሃን ወጋሕታ ኢዩ።
 ኣብ ጉንዲ ወይኒ፡ ወልድ ጉንዲ ወይኒ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን ጉንዲ ወይኒ ኢዩ። ኩሉ ዓለም ብእኡ ዝመቀረ ሓደ ወይኒ ሕይወት ኢዩ(ዮሓ15፡1-5)።
ኣብ ሓሊብ ኢዩ፡ ወልድ ሓሊብ ኢዩ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን ሓሊብ ኢዩ። ሕዋስ ዘይብሉ ሓደ ሓሊብ ኢዩ። ከምዚ ንኣምን ከምዚ እውን ንእመን (ቅዳሴ ማርያም)
(ምንጪ፦ ኣብ ዓመት ፪ተ ግዜ ካብ ዝሕተም መጽሔት ኰኲኃ ኃይማኖት ቁ ፫ ካብ ገጽ ፯ — ፲፬
፳፬ ታሕሳስ ፳፻፱ (ጥሪ 2017)
ወስብሃት ለ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣበዊነ


ሓሳባት

Leave a comment